ገምጋም ቃንዛ ኣብ ቆልዑ

ስሩዕ ምገምጋም ቃንዛ፡ ቃንዛ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ከምዝኾነ፡ ኣበይናይ ክፋል ኣካልካ ከምዘሎን፡ ውጽኢት መዐገሲ ንምውሳንን ዝትግበር መስርሕ ኢዩ። ብዙሓት ቆልዑ ባዕላቶም ብዛዕባ ቃንዝኦም ን ኣባላት ሕክምና ክነግሩ ይኽእሉ። ወለዲ'ውን ክሕግዙ ይኽእሉ።

ምግምጋም ቃንዛ ኣብ ናጽላን ንእሽተይ ቆልዓን ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ነቶም ዝነኣሱ ቆልዑ ብዝምልከት፡ ዝተፈላለዩ ባህሪያት ብምምርኳስ እዩ ናይ ቃንዛ መዐቀኒ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል። ቃንዛ ንምዕቃን፡ ናይ ቆልዓ ዕድመን ደረጃ ርድኢትን ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ነቲ መሳርሒታት ምጥቃም ይከኣል። ኣብዚ፡ ካብ 1 ክሳብ 10 ዝኸውን ናይ ቁጽሪ  መለክዒን፡ መልከዒታት ገጽን ቃንዛ ንምዕቃን ዝውቱራት እዮም።