ናብ MediPrep እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም

ኣብዚ፡ ኣብ ኩሉ ዕድመን ብርኪ ኣእምሯዊ ክእለትን ዝርከቡ ቆልዑ ብዛዕባ ሰብነት፣ ኣብ ሆስፒታል ምኻን እንታይ ከምዝመስልን ቅድመ፣ ኣብ እዋንን ድሕሪን  ሕክምናዊ መደንዘዚን፡ ሕክምናዊ መጥባሕቲን እንታይነት ክፈልጡ ይኽእሉ ኢዮም ኣብዚ ገጽ እዚ፣  ንስኻትኩም ድማ ከም ወለዲ ወላዲ ንውሉድኩም ኣብ ሆስፒታል ዝህልዎ ናይ ምጽናሕ ተኽእሎ ንኽትዳለዉ ትኽእሉሉ መንገዲ ኣሎ። ቆልዑትን መንእሰያትን ንሕክምናዊ ምርመራታትን መስርሓቶምን ኣሻቐልትን ኣጨነቕትን ኮይኖም ክረኽብዎም ይኽእሉ እዮም። ናብ ሓደስትን ምቾት ዘይህቡን ቦታታት ክኣትውን፡ ሓደስቲ ሰባት ክላለዩ ከምኡ'ውን ሓደስቲ ንጥፈታት ከጋጥሞም’ውን ተኽእሎታት ኣለዎም፡፡ ምርመራ ክገብሩ፡  ናይ ምርመራ ናሙና ን መፈተኒ ና ክህቡ ይኽእሉን ፡ ክንክን  ሕክምና ክግበረሎም፡ ን ከምኡ'ውን  ብ ናይ ሰብነት መደንዘዚ ዝካየድ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ምስ መደንዘዚ ክግበረሎም  ከጋጥሞም ይኽእል እዩ። ስለ'ዚ ነዚ ስምብራት ንምቕናስ ኩሉጻዕርታት ይግበር።

ካብ ኩሎም ንቆልዑትን መንእሰያትን ኣብ ግዜ ምጽናሕ ሆስፒታል ዝገጥምዎም ኩነታት፡ ምድንዛዝ ፡ ቃንዛ ከምኡ'ውን ሕክምናዊ መጥባሕትታት እዮም ብዝበለጸ ዘጨንቕዎም። እቲ ቆልዓ፡ መንእሰይ ከምኡ'ውን ቤተሰብ ፡ ንዘጋጥም ነገር ዘይተዳለዉ ምስ ዝኾኑ ከምኡ'ውን እንታይ የጋጥምን ንምንታይን ምስ ዘይርድኦም፡ እዞም ጭንቀታቶም ዝኸፍኡ እዮም ዝኾኑ፡ ስለዚ ንኽትዳለ'ውን ብዝበለጸ ንኽርደኣኩምን ክንሕግዘኩም ኢና።

ግቡእ ምድላዋት ኣብ ቆልዑትን መንእሰያትን ዝርአ ፍርሕን ጭንቀትን ፍወሳ ይቕንስ። እዚ ድማ ነቶም ዝካየዱ መስርሓት ከም ዝቐልሉ ብምግባር ዝኾኑ ናይ ሓጺርን ነዊሕን ግዜ ኣሉታዊ ውጽኢት ኣብ ምቕናስ ይሕግዝ። ብተወሳኺ ምስ ዘጋጠመ ተላዚብካ ንኽትከይድ ይሕግዝ ከምኡ'ውን ምስ ኣብ መጻኢ ዝትግበር ሕክምናዊ ክንክንን ፍወሳን ክትሳነ ይድግፍ። ንዝሰምዕዎ፡ ዘንበብዎ፡ ዝረኣይዎ ከምኡ'ውን ዝተመኮርዎ ከሰላስሉን ክርድኦምን፡ ቆልዑትን መንእሰያትን ብዝተፈላለዩ መንገድታት ነብሶም ከዳልዉ ተደጋጋሚ ዕድላት ክወሃቦም ኣገዳሲ እዩ።

ብዛዕባ እቲ ኩነታት ዘተኣማምንን እኩል ሓበሬታን ከም ዘለካ ምሕሳብካ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ ንኽትዳለ'ውን ብዝበለጸ ንኽርደኣኩምን መታን ድማ ክንሕግዘኩም ድሉዋት ኢና። ነዚ ሓበሬታ  እዚ ድሕሪ ምንባብካኩም፡ ብዛዕባ  መድንዘዚ ፡ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ወይ ብሓፈሻ ብዛዕባ ናይ ምብጻሕ ብ ሆስፒታል ዝምልከትቱ ካልኦት ሕቶታት ምስ ዝህልውኻ/ውኹም፣ ብጽሑፍ መልክዕ ናብ'ቲ ሆስፒታል ሒዝኩምዎም ምጹ። ንስኻ ኮነ ውላድካ ብዛዕባ ዘጋጥሙ ነገራት ኣመና ምስ ትጭነቑ ወይ ካልኦት ሽግራት ምስ ዝህልውኹም ኣፍልጡና። ንሕና ንክንሕግዘኩምን ንዝህልውኹም ሕቶታት ክንምልስን ድሉዋት ኢና።