ድንዛዘ

መደንዘዚ ብልሙድ ኣብ ቆልዑ እቲ ኣዝዩ ዝድለ ነገር እዩ።

እዚ  ማለት እቲ ቆልዓ ሙሉእ ብሙሉእ ደቂሱ፥ ውነኡ ኣጥፊኡን ኣብ ግዜ መስርሕ ኣዝዩ ከቢድ ወይ ቃንዛ  ዘስዕብ ክኸውን ዝኽእል ጸረ-ቃንዛ ክወሃቦ ይኽእል እዩ ማለት እዩ። ምርጫ ዓይነት መደንዘዚ ኣብ ዕድመ፡ ዓይነት ሕክምናዊ መጥባሕቲን ኩነታት እቲ ቆልዓን ይምርኮስ። መደንዘዚ ብመልክዕ መርፍእ ኣብ መትኒ ደም ወይ ብመልክዕ ኣየር ብትንፋስ ካብ ማስኬራ ክወሃብ ይከኣል። እቲ መስርሕ መድንዘዚ ብመልክዕ ኣየር፡ ከም መድሃኒት ብደም ከምኡ'ውን ብካልኦት ጸረ-ቃንዛ ወይ መፍኮስቲ ቃንዛ ምስራሑ ክቕጽል ኢዩ።