ዜሮ ብኣፍ

ነቶም ብኣፍ ከይትወስድ ዝኽልክሉ ተባሂሎም ዝተነድፉ መምርሒታት በጃኻትኩም ተኸተሉ።

እዚ ድማ ብሰንኪ እቶም ካብ ከስዐ ክምለሱ ዝኽእሉ መግብን መስተን ኣብ ሳንቡእን ሻንብቆታት መተሓላለፊ ኣየርን ከስዕብዎ ዝኽእሉ ጸገማት እዩ ዝምልከት። ስለ'ዚ ኩሉ ግዜ ዋላ እኳ እቲ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ጸኒሑ ክትግበር ዝኽእል እካ እንተኾነ፡ ውላድካ ካብ ዝበልዕ ወይ ዝሰቲ ክንደይ ግዜ ከም ዝሓለፎ ሓቂ ዝኾነ ሓበሬታ ክትህብ ኣሎካ።

ፈሰስቲ ካብ ደረቕ ምግብታት ዝሓጽር ናይ ዜሮ ብኣፍ ግዜ የድልዮም።ይኹን እምበር፡ ዝተፈላለዩ መስተታት ዝተፈላለየ ናይ ዜሮ ብኣፍ ግዜ የድልዮም፡፡ ንኣብነት፡ ጽሟቕን ርግኦን ካብ ማይ፡ ቡን ከምኡ'ውን ልስሉስ መስተ ዝነውሐ ግዜ ንክሓልፉ ይድልዮም፡ ን ኣብነት ጸባ ጡብ ኣደን ቀመር ጸባን ኣብ መንጉ ናይ ፈሳሲን ደረቕ ምግብን ዝርከቡ እዮም። 

ብዛዕባ እቲ ዝተነግረካ ናይ ብኣፍ ዘይምውሳድ ዝምልከት ምምርሒ ዘይተረድኣካ ሓበሬታ ምስ ዝህልውካ፡ ሕቶኻ ናብ'ቲ ሆስፒታል ኣቕርብ።