ክሳብ 3 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ

ቆልዑ እናዓበዩ ብዝኸዱ ቁጽሪ ነቶም ዝፈልጡዎምን ዝደልይዎምን ነገራት ዝጠልብ ድልየት የማዕብሉን፡ ነዚ ተመሳሳሊ ልማድ ምድግጋም ድማ ቅሳነት ክስምዖም ይሕግዞም። ንዘይፈልጥዎም ሰባት ዝፈርሑሉ ግዜ ምህላው ባህርያዊ ኢዩ። ከም ወላዲ ወይ ኣላዪ፡ ምስቶም ኩሉ-ግዜ ትኽተልዎም ልሙዳት መዓልታዊ ናይ ናብራ ንጥፈትታትኩም ምህላውኩም፡ ንውላድኩም ናይ ውሕስነት ስምዒት ክፈጥረሉ ይኽእል ኢዩ።

ነቶም ኣብዚ ዝተገልጸ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ቆልዑት፡ ቁልጡፍን ቀሊልን ዝኾነ ናይ  መጻኢ ክውንነት ክገልጽ ዝኽእል ሓበሬታ ምሃብ እኹል ኢዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ሓደ ዝሓመመ እሞ ናብ ሆስፒታል ክኸይድ ዘለዎ ባምቡላ ወይ መጻወቲ ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ'ቲ ባምቡላ ወይ መጻወቲ ዘሎ ጸገም ብምምልካት፡ ንዕኦም'ውን ተመሳሳሊ ነገር ከምዝግበረሎም ግለጽ። ንኣሽቱ ቆልዑ ክርድኦም ስለዘይክእል፡ ብዛዕባ ኣብ ሰውነቶም ዘሎ ወይ ኣብ ሰውነቶም ዝግበር ነገር ኣይትዛረብ። ትሕቲ 3 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ እኹል ኣፍልጦ ናይ ግዜ የብሎምን። ስለ'ዚ ኣብ ኦም ዝግበር ምድላዋት ካብ ግቡእ ግዜ ኣዝዩ ዝቀደመ ክኸውን የብሉን። ኣብቲ ዕለት ምብጻሕ ሆስፒታል ወይ ቅድሚኣ ዘላ መዓልቲ ምድላው እኹል እዩ።