ኣብ ክፍሊ መሕወዪ

ኣብ ምውዳእ ናይቲ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ውላድኩም ናብ ክፍሊ ድሕረ ሕክምናዊ መሕወዪ ክውሰድ እዩ። መእተዊኹም ሰዓት ምስ በጽሐ ክሕበረኩም እዩ። ስለ'ዚ ብስልኪ ክትርከቡ ምኽኣልኩምን ወይ ኣብ መጸበዪ ክፍሊምህልውኩም ወይ’ውን ኣብ ቀረባ ምህላውኩም ርግጽኛ ኹኑ።

ክፍሊ መሕወዪ ዝበዘሐ እዋን ዓቢ ክፍሊ ኮይኑ ብዙሓት ዝተፈላለየ ዕድመ ዘለዎም ተሓከምቲ ዝእለዩሉ እዩ። ኣብ ክፍሊ መሕወዪ ኮንካ ምብላዕን ምስታይን ሕክምናዊ መጥባሕቲ ንዝወድኡ ንውላድካን ንኻልኦት ተሓከምቲን ዝርብሽ ክኸውን ስለዝኽእል ብጽኑዕ ዝተኸልከለ እዩ።

ተንቀሳቐስቲ ስልኪ ድምጾም ብምጥፋእ ክትጥቀሙሎም ትኽእሉ ኢኹም። ሓጺር ጽሑፍ መልእኽቲ ክትሰዱ ትኽእሉ ኢኹም። ስልኪ ክትድውሉ እንተደሊኹም ካብ ክፍሊ መሕወዪ ብምውጻእ ክትድውሉ ትኽእሉ’ውን ኢኹም።

ገለ ቆልዑትን መንእሰያትን ስለዝጭነቑ ምእላይ ወይ ምክንኻን የድልዮም እዩ፡ መብዛሕትኦም ቆልዑት ግን ድኻም ክስምዖም ብምዃኑ ኣብ ግዚኦም ክትንስኡ ድማ ዝሓሸ ነገር እዩ። ኩሎም ተሓከምቲ ብገጾም ኣቢሉ ዝኣቱ ኦክስጅን ይወሃቦም እዩ። ምስትንፋሳቶም፡ ትርግታ ልቦም ከምኡ'ውን መጠን ኦክስጅን ብጥንቃቐ ቁጽጽር ይግበረሎም። ውላድኩም ካብ ክፍሊ መሕወዪ ንምውጻእ ዘድሊ መለክዒ ምስ ዘማልእ ናብ ዋርድ  ክትምለሱ ወይ ናብ ገዛኹም ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም።