ድሌታት ቆልዑን መንእሰያትን ንምምላእን፡ ሓሳቦም ድማ እንታይ ከምዝኾነ ምፍላጥን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ከመይ ከም ዝሓስቡን ከም ዝስምዖምን? ንዝተፈላለዩ ኩነታትን ኣጋጣሚታትን እንታይ ዓይነት ግብረ-መልሲ ከም ዝህቡ? ብከመይ መንገዲ ከም ዝገጥሙዎም? ግዜ ወሲድኩም ናይ ውላድኩም ብዛዕባ ዛጊት ዘጋጠመን ነገር ዝህልዎ ርድኢት ስምዑ፡ ግብረ-መልሲ ሃቡ ከምኡ'ውን ኣኽብሩ። ንውላድኩም ዘይጠቅም ወይ ጌጋ ሕቶ ዝበሃል ከም ዘየለ ጸቐጥኩም ኣረድኡዎ። ንሕቶታትን፡ ነቶም ውላድኩም ከመይ ይስመዖ ከምዘሎ ዘመላኽቱ ናይ ገጽ ኣገላልጻታት፡ ከምኡ'ውን ምልክታት፡ ኣስተውዒልኩም ኣተኩሮን ጠመተን ግበሩሎም። እንተደኣ ውላድኩም ሕክምናዊ መጥባሕቲ ክገብር ኮይኑ፡ ሓቀኛን ቅኑዕን ብዝኾነ መንገዲ ግልጹሉ። ቃንዛ ዝህልዎ እንተኾይኑ ፈጺምኩም ቃንዛ የብሉን ኢልኩም ኣይትንገሩዎ፡ ግና’ከ ኣብዚ ግዜ'ዚ መብዛሕትኡ ቃንዛ ክቕነስ ወይ ጠጠው ምባል ከምዝከኣል ንገሩዎ።
ናይ በጽሕታት ርድኢት ኣብ ናይ ቆልዓ ትዕዝብቲን ዕላማን
ዝበዘሐ እዋን ቆልዑን እኹላት ሰባትን ዘለዎም ፍልልያት ናይ ስምዒታት ኣረኣእያን ይፈላለ ኢዩ። ገለ ነገራት ሓደ በጽሒ ከም ኣገዳሲ ዝርእዮም፡ ብቆልዑን መንእሰያትን ከይተራእዩ ክሓልፉ ይኽእሉ። ንቆልዑ ኣዝዩ ዘጨንቖም፡ ብ በጽሕታት ከም ልሙድ ዝውሰድ’ውን ክኸውን ክኸውን ይኽእል። ስለዚ፡ ሰሚዕካ ናይ'ቲ ቆልዓ ርድኢት፡ ስምዒትን ግንዛቤን ኣብ ግምት ኣእቱ።

questionsAndAnswers
InformationNej, absolut inte. Lite beror ju så klart på varför du hamnade på sjukhus. Om du var superdålig jobbar vården så här: behandla först, förklara sen. Men ofta kan det ju bli lite snårigt att förstå även om du inte är livshotande sjuk. Det är också ett sätt att gömma sig lite bakom svåra ord som en del människor lägger sig till med. Men kom ihåg att du faktiskt har rätt att få information, på ett sätt som du förstår. Alltså, det duger inte om läkaren säger någon lång diagnos på latin. Hen ska förklara för dig så att du fattar. Ställ frågor, och se till att du förstår svaren. Det är vårdens skyldighet att du ska fatta!