ናይ በጽሕታት ርድኢት ኣብ ናይ ቆልዓ ትዕዝብቲን ዕላማን

ዝበዘሐ እዋን ቆልዑን እኹላት ሰባትን ዘለዎም ፍልልያት ናይ ስምዒታት ኣረኣእያን ይፈላለ ኢዩ። ገለ ነገራት ሓደ በጽሒ ከም ኣገዳሲ ዝርእዮም፡ ብቆልዑን መንእሰያትን ከይተራእዩ ክሓልፉ ይኽእሉ። ንቆልዑ ኣዝዩ ዘጨንቖም፡ ብ በጽሕታት ከም ልሙድ ዝውሰድ’ውን ክኸውን ክኸውን ይኽእል። ስለዚ፡ ሰሚዕካ ናይ'ቲ ቆልዓ ርድኢት፡ ስምዒትን ግንዛቤን ኣብ ግምት ኣእቱ።

ድሌታት ቆልዑን መንእሰያትን ንምምላእን፡ ሓሳቦም ድማ እንታይ ከምዝኾነ ምፍላጥን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ከመይ ከም ዝሓስቡን ከም ዝስምዖምን? ንዝተፈላለዩ ኩነታትን ኣጋጣሚታትን እንታይ ዓይነት ግብረ-መልሲ ከም ዝህቡ? ብከመይ መንገዲ ከም ዝገጥሙዎም? ግዜ ወሲድኩም ናይ ውላድኩም ብዛዕባ ዛጊት ዘጋጠመን ነገር ዝህልዎ ርድኢት ስምዑ፡ ግብረ-መልሲ ሃቡ ከምኡ'ውን ኣኽብሩ። ንውላድኩም  ዘይጠቅም ወይ ጌጋ ሕቶ ዝበሃል ከም ዘየለ ጸቐጥኩም ኣረድኡዎ። ንሕቶታትን፡ ነቶም ውላድኩም ከመይ ይስመዖ ከምዘሎ ዘመላኽቱ ናይ ገጽ ኣገላልጻታት፡ ከምኡ'ውን ምልክታት፡ ኣስተውዒልኩም ኣተኩሮን ጠመተን ግበሩሎም። እንተደኣ ውላድኩም ሕክምናዊ መጥባሕቲ ክገብር ኮይኑ፡ ሓቀኛን ቅኑዕን ብዝኾነ መንገዲ ግልጹሉ። ቃንዛ ዝህልዎ እንተኾይኑ ፈጺምኩም ቃንዛ የብሉን ኢልኩም ኣይትንገሩዎ፡ ግና’ከ ኣብዚ ግዜ'ዚ መብዛሕትኡ ቃንዛ ክቕነስ ወይ ጠጠው ምባል ከምዝከኣል ንገሩዎ።