ቆልዑ (6 - 12 ዓመታት)

ቆልዑ ናይ ዓቕመ ትምህርቲ ዕድመ ምስ ዝበጽሑ፡ ንናይ ሕልሚ ዓለምን ክውንነትን ክፈልዩ ይጅምሩ። ንሰብነቶም ናብ ዓንዲ-ኣካል፡ ኢድ፡ እግሪ ከምኡ'ውን ውሽጣዊ ኣካል ኢሎም ክኸፋፍሉን ከላልዩን ይጅምሩ። ነገራት ካብ ምንታይ ከም ዝስርሑን ከመይ ከም ዝሰርሑን ፈላልዮም ክፈልጡን ክነግሩን ይኽእሉ እዮም።

ኣብ'ዚ ግዜ'ዚ ሓደ ቆልዓ ብሰንኪ ናይ ደጋዊ ሓይልታት ጥራይ ዘይኮነ ብሰንኪ ውሽጣዊ ለውጥታት'ውን ሰብ ክሓምም ከም ትኽእል ይፈልጥ ይጂምር። ከምኡውን ሕማማት ከም መቕጻዕቲ ወይ ትንግርቲ ዘይኮነስ ጠንቆም ብረኽሲ፡ ንኣብነት ብ ባክተሪያ ወይ ቫይርስ ከም ዝመጽኡ ተገይሮም ክረኣዩ ይጅምሩ፡ እንተኾነ ግን፡ ትንግርታዊ ኣተሓሳስባ፡ ክሳብ 10 ዓመቶም ቀጻሊ ከጋጥም ይኽእል እዩ። 

ካብ'ቲ ዝሓለፈ ግዜ ብዝለዓለ መጠን ብዛዕባ ኣካላቶም ግንዛበ ኣለዎም። ነቶም ዝወሃቡ ሕክምናታት  ከም ጎዳእቲ ክሓስቡዎም ይኽእሉ ወይ ኣካላቶም ዝቕየር መሲሉዎም ክፈርሑ ይኽእሉ። ልክዕ ከም ንኣሽቱ ቆልዑ ዝነገሮም፡ ኣየናይ ክፋል ኣካላቶም ከም ዝሕከምን ኣየኖት ድማ ከም ዘይካተቱን ክሓቱ ንገሩዎም።

ኣብ'ዚ  ዕድመ እዚ ዝርከቡ ቆልዑ ኣብቲ እዋን ናይ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ዝግበረሎም ቦታታት ዝበጽሑሉ እዋን፡ ንዝረኣዩዎም መሳርሒታት ክፈርሑ ይኽእሉ እዮም ወይ ናይ ፍርሒ ስምዒታት ክስምዖም ይኽእል ኢዩ። ኣብ'ዚ ግዜ’ዚ እውን ብዛዕባ ሞት ክሓስቡ ዝጅምሩ። ብተወሳኺ ንድቃስ ምስ ሞት ከተሓሕዝዎ ይኽእሉ ከምኡ'ውን ብዙሓት ቆልዑ ድሕሪ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ኣይክንትስእን ኢና ኢሎም ይሻቐሉ እዮም። ኩሉ ግዜ ኣብ ዝደቀሱሉ እዋንን ክሳብ ዝነቕሑን ብንጥፈት ክትትል ከም ዝግበረሎም ብምንጋር መረጋገጺ ሃቡዎም።

ኣብ'ዚ ክሊ ዕድመ ንዝርከብ ቆልዓ ሓደ ሰሙን ቅድሚ ናብ ሆስፒታል ምኻዱ ምድላዋት ግበሩሉም። ካብ ንኣሽቱ ቆልዑ ብመጽጽር እዞም ኣብ'ዚ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ቆልዑ ብዛዕባ ዘጋጥም ነገራት ዝለዓለ ተገዳስነት የርእዩ። ስለ'ዚ ምድላዋቶም በቲ ዝሓትዎ ሕቶታት መሰረት ክኸውን ኣለዎ። ሓሳባቶምን ጭንቀታቶምን ብመንገዲ ስእሊን ቅብኣን ክነግሩኻ ኣተባብዓዮም።