ቆልዑን መናእሰያትን ድሕሪ ኣብ ሆስፒታል፡ ኣብ ኣንስቴዢያን ኣብ መጥባሕቲን ምጽናሖም ዝህልዎም ግብረ መልሲ

ቆልዑን መናእሰያትን ዝህልዎም ግብረ መልሲ ኣብ ዕድሚኦም፡ ዘለዎም ኣፍልጦ፡ ምርመራን,ዝህልዎም ናይ ጥዕና ክንክን ሕክምናን ተሞክሮን ዝተደረኸ እዩ።

ገለ ቆልዑ ከይተፈለጦም ነቲ ናይ ሆስፒታል ጻንሒት ዝጻወሩዎ ይመስሉ፡ ገሊኦም ልዕል ዝበለ ግብረ-መልሲ፡ ገሊኦም ብ ቕልጡፍ፡ ገሊኦም ድማ ድሕሪ ጻንሒት  ግብረ-መልሲ ይህቡ። እዞም ግብረ -መልሲታት እዚኦም ንምርዳኦም ኣጸገምቲ ክኾኑ ዝኽእሉ እዮም፡ ኣብ ዘይተሓሰበ ግዜ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ወይድማ ምስ ሕክምናዊ ክንክን ርክብ ዘይክህልዎም’ውን ይኽእል እዩ። እቶም ግብረ መልሲታት ብ መልክዕ ጭንቀት፡ ምህዳእ፡ ካብ ተሳትፎ ምንሳሓብ ወይድማ ሱቕታ፡ ንቑሕ ዘይምዃን፡ ወይ’ውን ምስ ብልዒን ድቃስን ዝተተሓሓዙ ጸገማት ከርኣዩ ይኽእሉ እዮም። እዞም ዝተጠቕሰ ግብረ መልሲታት እዚኣቶም ኣብ ውሉድኩም ኣጋጢሞም ክይኾኑ ክትትል ብምግባር፡ ኣብ ዘጋጥሙሉ እዋን ድማ ሓገዝ ንምግባር ድልዊ ምዃን የድሊ። ኣብ ከምዚ ዝበለ መዓልቲ መብዛሕቲኦም ቆልዑን መንእሰያትን ብዝበረኸ ሓሳብ ብሓባር ናይ ምዃን ድልየት ዘለዎም እንትኾን፡ ድሕንነት ንኽስመዖም ድማ ብሓባር ምሳኹም ክድቅሱ እውን ክደልዩ ይኽእሉ እዮም።

ብዛዕባ ናይ ውሉድኩም ስምዒታት፡ ሓሳባትን ሻቕሎታትን ጥቡቕ ኣፍልጦ ይሃልውኩም። ኣብ ውሉድኩም ናይ ጥዕናን ድሕንነትን ስምዒት ኣብ ምፍጣር፡ እቲ ዘድልዮም ግዜን ቅርርብን ይሃቡዎም። ስምዒትኩም ብቐሊሉ ናብ ን ስምዒት ኣብ ምፍጣር፡ እቲ ዘድልዮም ግዜን ቅርርብን ይሃቡዎም።ስምዒትኩም ብቐሊሉ ናብ ውሉድኩም ክመሓላለፍ ዝኽእል ምዃኑ ኣይትረስዑ፡ ስለዚ እንድሕር ደኣ ጭንቀት ተስሚዕኩም ርእስኹም ንምርግጋእ ፈትኑ።

እንድሕር ደኣ ዝኾነ ሕቶ ወይድማ ዝኾነ ርግጸኛ ዘይኮንኩምሉ ነገር ሃልዩ፡ ን ናይ ሕክምና ኣጋልግሎት ይርከቡ። ሓገዝን ድጋፍን ንምሃብ ኢና ኣብዚ ዘለና።