ቅድመ ትምህርቲ ህጻናት (3 - 6 ዓመታት)

ናይ ቅድመ ትምህርቲ ቆልዑ ኣብ ናይ ሕልሚ ዓለምን ትንግርታዊ ሓሳባትን'ዮም ዝነብሩ። ኣብ ዓለሞም፡ ነገራት ይተሓዋወሱን ብዘይ ልሙድ መንገዲ ድማ ኣብ ዘይፍሉጥ መዓልታት ይራኸቡ።

ቆልዑ ጠንቅን ሳዕቤንን ክገላበጡ ይኽእሉ ኢዮም፡ እዚ ድማ እቲ ቆልዓ ብዝተፈልየ መንገዲ ከም ዝስምዖም ይገብር። ውሽጣዊ ስምዒቶም ካብ ሓቀኛ ዓለም ንምፍላይ ውን ክጽገሙ ይኽእሉ። ከም ኣብነት፡ ንሓደ ቆልዓ፡ ቃንዛ ካብ ደገ ዝመጽእ ጥራይ ክመስሎ ይኽእል ነገር ግን ካብ ውሽጢ'ውን ክመጽእ ይኽእል እዩ።

ቆልዓ ብዛዕባ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ነገር ሓርፋፍ ዝኾነ ርድኢት እዩ ዘለዎ። ንኩሎም ክፋላት ኣካላቶም ተኣፈፍቲ ገይሮም እዮም ዝርእዩ፡ በዚድማ ንኣካላዊ መጉዳእቲ ዘለዎም ፍርሓት ዓብዩ እዩ። ስለ'ዚ ኣየናይ ክፋል ኣካላቶም ከም ዝሕከምን ኣየናይ ድማ ከም ዘይሕከምን ኣትኩሮ ክወሃቦ ኣለዎ። እዞም ኣብ'ዚ ክሊ ናይ ዕድመ ዘለዉ ቆልዑ ብቐሊሉ ጣዕሳ ክስምዖም ዝኽእል ብምዃኑ፡ እቲ ሕማም ወይ ኩነታት ናቶም ጌጋ ከምዘይኮነ ምግላጽ ኣገዳሲ እዩ።

ዕድሚኦም ንዓቕመ ትምህርቲ ክሳብ ዝበጽሕ፡ ቆልዑ ንዘይፈልጥዎ ነገር ብመልክዕ ገጅፍ ዘፍርሕ ነገር  ሞት መንፈስ ወይ ማስኬራ ዝገበረ ኣካል መልክዕ ገይሮም ብምሕሳብ ዓብይ ፍርሒ የሕድሩ። ገሊኦም ቆልዑ ንሰራሕተኛታት ሕክምና ጸጉሮም ተሸፊኑ ወይ ናይ መጥባሕቲ ማስኬራ ለቢሶም ምስ ዝርእዩ ፍርሃት ክስምዖም ተኽእሎ ኣለዎ።

ኣብ'ዚ ክሊ ዕድመ እዚ ንዝርከብ ቆልዓ ምድላው ሓጺርን ቀሊልን ክኸውን ኣለዎ። ቆልዑ ብምጽዋት እዮም ዝመሃሩ፡ ስለ'ዚ ናይ ሓኪም ቦርሳ ኣዝዩ ጠቃሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። እቶም ኣብ ኩነታት ቅድመ ትምህርቲ  ዝርከቡ ቆልዑ ውሱን ርድኢት ናይ ግዜ እዩ ዘለዎም። እቲ ንዓኦም ናይ ምድላው ኣብ'ቲ ሰሙን ኣብ ዘለዉ  መዓልታት ብዝግባእ ካብተን ዝበለጸ እዩ፡ እቲ ዝወሃቦም ተወሳኺ ዝርዝራት ድማ ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ቅድሚ ሆስፒታል ምኻዶም ክኸውን ተመራጺ ይኸውን።