Boy in blue sweater with plaster on forehead is pouting and looking sad.

ከም ግብረ-መልሲ ናይ መጉዳእትን ሕክምናዊ መጥባሕትን ካብ'ቲ ተጎዲኡ ዘሎ ክፋል ኣካላትና ናብ ሓንጎል መልእኽቲታት ይስደዱ። እዞም መልእኽትታት ድማ ነቲ ናይ ስምዒት ቃንዛ ከም ግብረ መልሲ ይፈጥሩዎ። እዚ ስምዒት ብከፊል ካብዞም መልእኽትታት እዩ። ነገር ግን ብስምዒታት (ከም ፍርሕን ሻቕሎትን)፡ ተዘክሮታት (ጽቡቕን ሕማቕን) ከምኡ'ውን ኣብ ሕሉፍ ግዜ ዝነበረ ቃንዛ ይቕየር እዩ።

ቃንዛ ውልቃዊ ተመኩሮ ምዃኑ ኣብ ኣእምሮና ክርድኣና ኣገዳሲ እዩ። ዝኾነ ሰብ ናቱ ቃንዛ ይስምዖ በንጻሩ ድማ ካልእ ሰብ እቲ ቃንዛ ከመይ ምዃኑን ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑን ክርዳኣሉ ኣይክእልን።

ኣብቶም ድሕሪ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ዘለዉ እዋናት ቃንዛ ልሙድ እዩ። ድሕሪ ከበድቲ ሕክምናዊ መጥባሕትታት ድማ ዝኸበደ እዩ። ድሕሪ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ኣብ ዘለው ቀዳሞት መዓልታት ድማ እቲ ቃንዛ ይጠፍእ። ንቆልዓ እቲ ቃንዛ ነባሪ ከም ዘይኮነን ቀስብቀስ ከምዝጠፍእን ምግላጽ ኣገዳሲ እዩ። ቃንዛ ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ’ውን ይፈላለ እዩ። ምስ ምንቅስቓስ ተተሓሒዙ መጠን ናይ ቃንዛ ምኽባድ ባህርያዊ እዩ። ሓደ ቆልዓ ደቂሱ፡ ኣዕሪፉ ወይ እናተጻወተ'ውን ቃንዛ ክስምዖ ይኽእል እዩ። ገለ ቆልዑት ቃንዛኦም ብምብካይ ወይ ፍኒሕኒሕ ብምባል ወይ ኣብ ዘቐንዝዎም ቦታ ብምትንካፍ የርእዩ ኢዮም። ካልኦት ድማ ስቕ ብምባልን ካብ ካልእ ብምግላልን ቃንዝኦም የገልጹ።

ኣድህቦ ካብ ቃንዛ ምእላይ ተፈጥሮኣዊ ኮይኑ ከም ኣገባብ ምዕጋስ ቃንዛ ክጠቅም ይኽእል። ንዝበለጸ ናይ ቃንዛ ፍወሳ፡ ክልቲኡ፡ ቆልዓ ዝስምዖ ንክገልጽ ምሕጋዝን ናይ ቆልዓ ቃንዛ ምፍታሽ ምኽኣልን ኣገዳሲ እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ጅግና ምዃንን ብዝስምዓካ ቃንዛ ዘይምዕዝምዛምን ጥቕሚ የብሉን።