ምድላው ቆልዑትን መንእሰያትን ን ምጽናሕ ኣብ ሆስፒታልን፡ ንድንዛዘን ከምኡ'ውን ንሕክምናዊ መጥባሕትን

ቅድሚ ሕክምናዊ ዝግበር ኩሉ መስርሓት  ግቡእ ምድላው ኣብ ቆልዑትን መንእሰያትን ንዝፍጠር ጭንቀትን ሻቕሎትን ዘጉድልን ዝቕንስን እዩ።

ምድላው መስርሓት ዝቐለሉ መንገዲ ብምፍጣር ናይ ሓጺርን ነዊሕን ግዜ ኣሉታዊ ጽልዋታት ከጉድል ወይ ክቕንስ ይኽእል ኢዩ። እዚ ድማ ነቲ ዘጋጠመ ጉዳይ ንምፍታሕን፡ ከምኡ'ውን ነቶም ኣብ መጻኢ ዝግበሩ ክንክናትን ሕክምናታትን ብዝበለጸ ክኢላ ንምስራሕ ወይ ንትግባር ይሕግዙ።

ዝግበር ምድላዋት ቆልዑት ነቲ ዝሰምዕዎ፡ ዘንብብዎ፡ዝርእይዎ ከምኡ'ውን ዝስምዖም ዘሰላስሉዎ ነገራት፡ ብዙሓት መንገዲታት ዝህብ ቀጻልነት ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ። ንዝተፈላለየ ክፍልታት መርበብ ሓበሬታና ንክርእዩን ነቶም ገጻት ደጋጊሞም ከንብቡን ሓግዙዎም። ብተወሳኺ ድማ  ንክስእሉ፡ክቐብኡ፡ድምጺ ክቐድሑ፡ ክጽሕፉ ንከምኡውን ብካልኦት መንገድታት  ሓሳባቶምን ሕቶታቶምን ንክገልጹ ኣተባብዑዎም።

ሕሉፍ ክንክን ጥዕናን ሕክምናን፡ ብፍላይ ድማ ድሕሪ ሕማቕ ተመኩሮ፡ ጭንቀትን ሻቕሎትን ክውስኽ ይኽእል እዩ። ተመሳሳሊ ወይ ዝኸፍአ ምጽባይ ልሙድ እኳ እንተኾነ መብዛሕቲኡ ግዜ ግን ዘጋጥም ጽቡቕ ተመኩሮ ነዚተደጋጋሚ ፍጽሜ ክሰብር ይኽእል። ድሕሪ'ቲ ዝሓለፈ ግዜ ዝህሉ ዕቤትን ምዕባለን እንታይ ከም ዝርድኡን እንታይ ምድላዋት ከም ዘድልይዮምን ዝተፈለየ ገይሩዎ ክኸውን ይኽእል። ንህሉው ደረጃ ርድኢት ውላድኩም ዝገልጽ ኣእምሮኣዊ ስእሊ ክህልወኩም ጻዕርታት ግበሩ፡ ድሕር'ዚ ድማ ንውላድኩም በዚ መሰረት ኣዳልዉዎ። ዋላ እኳ ኣብ'ቲ ዝሓለፈ ናይ ሆስፒታል ጻንሒት ዝተገበረ ነገር ዝደግሙዎ ይምሰሉኹም፡ ነቶም ዝቐረቡልኩም ናይ ምድላዋት መደባት ተጠቐሙሎም። ውሉድኩም ነቲ ኣቐዲሞም ዝተምሃሮ ነገር ረሲዑዎ ክኸውን ይኽእል ንዕብየቱ ድማ ዝበለጸ ክርዳእ ይኽእል እዩ።

ናይ ውሉድኩም ዕድመ ብዘየገድስ፡ ኣብቲ ዝበለጸ ግዜ ንኽዳላዉ ብቕኑዕ መንገዲ ሓግዙዎም። እቲ ቅኑዕን ጽቡቕን ግዜ ዝበሃል፡ ውላድኩም ኣብ ዘዕረፍሉ ዝሃድኣሉ ብዛዕባ እቲ ቂጺሉ ዝኸውን ነገር ንምፍላጥ ድልየት ዘሕድረሉን ዝህንጠወሉን ግዜ ማለት እዩ፡ እዚ ድማ ኣብ ዙርያ ጻንሒት ሆስፒታል፡ መደንዘዝን ከምኡ'ውን ሕክምናዊ መጥባሕትን ክለዓሉ ዝኽእሉ ሓሳባትን ግብረ-መልስታትን ብጥንቃቐ ረኣዩዎም።