ምድላዋት ቅድሚ ድንዛዘ

ጥዕና ናይቲ ቆልዓ ምስ መድንዘዚ ኣብዝተሓሓዝ ጉዳያት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ስለ'ዚ ብዛዕባ እዚ ክትሕተት ኢኻ፡

  • ዝኾነ ሕማም ናይ ሕጂ ወይ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ 
  • ቁጥዐ/ኣለርጂ
  • ሕጂ ወይ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተወሰዱ መድሃሓኒታት
  • ቅድሚ ሕጂ ዝወሰዶ መደንዚን ዝኾኑ ጸገማትን
  • ምስ  መድንዘዚ ብዝተሓሓዘ ጸገም ዝነበሮ ኣባል ቤተሰብ
  • ክብደት
  • ዝፈረሰ ወይ ብኣርተፊሻል ዝተተክኡ ኣስናን
  • ምስ ጉዕዞ ዝተሓሓዙ ሕማማት ወይ ድሕሪ መድንዘዚ ወይ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ዝመጽኡ ሕማማት
  • ትምባኾ ወይ ኤሌክትሪካዊ ሽጋራ ምጥቃም
  • ጥንሲ
  • ዝኾነ ሕማቕ ተመኩሮታት ምስ ክንክን ጥዕና ዝተተሓሓዘ

ብፍላይ፡ ውላድኩም ኣብ ቀረባ ግዜ ሰዓል ወይ ካልእ ጸገማት ስርዓተ ምስትንፋስ ምስ ዝህልዎ ነቲ መደንዘዚ ወሃቢ ወይ ኣነስቴቲስት ሓብሩዎ። እዚ ድማ ምስ መደንዘዚ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ጸገማት ይውስኽ ከምኡ'ውን ህጹጽ ኩነታት እንተዘይኮይኑ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ናብ ካልእ ዕለት ክሰጋገር ኣለዎ።