ከም ዝኾነ መድሃኒት፡ መደንዘዝቲ'ውን ንኩሉ ሰብ ይንኣስ ይዕበ ተተሓሓዝቲ ሓደጋታት ኣለዉዎም እዮም። እንተኾነ፡ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ምምዕባል መሳርሒታት ሕክምናን፡ መስርሓትን ስነ-ፍልጠትን ምስ መደንዘዝቲ ዝተተሓሓዙ ሓደጋታት ብሩኡይ ዓቀን ወይ መጠን ጎዲሎምን ሎሚ ውሕስነት ዘለዎም ኮይኖም ኣለዉ። ብዝተለከዐ መንገዲ ክግለጽ እንከሎ፡ ብመደንዘዚ ዝስዕብ ከቢድ መጉዳእቲ ካብ ኣብ ተሽከርካሪ ኮንካ ክመጽኣካ ዝኽእል ሓደጋ ኣዝዩ ዝነኣሰ እዩ።

እዚ ሰሌዳ ብዛዕባ ሓደጋታትን ክንደይ ግዜ ተደጋጊሞም ክኽሰቱ ከምዝኽእሉን ዘርኢ እዩ።

ሓደጋ ደረጃ ሓደጋ መግለጺ
ዓቕሊ ምጽባብ 1 ካብ 10 ኣዝዩ ልሙድ
ሕማም 1 ካብ 10 ኣዝዩ ልሙድ
መንጸሮር 1 ካብ 10 ኣዝዩ ልሙድ
ሕማም ርእሲ 1 ካብ 100 ልሙድ
ረኽሲ ኣፍልቢ 1 ካብ 1000 ልሙድ ዘይኮነ
መጉዳእቲ ኣስናን 1 ካብ 1000 ልሙድ ዘይኮነ
ንቕሓት 1 ካብ 1000 ልሙድ ዘይኮነ
ከቢድ እፍፈት ን መድሃኒታት 1 ካብ 10.000 ሳሕቲ
ከቢድ ጥርነፋ ናይ ውሱን መደንዘዚ 1 ካብ 10.000 ሳሕቲ
ከቢድ ጥርነፋ ናይ ከበድቲ ናይ ቃንዛ መድሃኒታት 1 ካብ 10.000 ሳሕቲ
መጉዳእቲ ሓንጎል < 1 ካብ 100.000 ኣዝዩ ሳሕቲ
ሞት << 1 ካብ 100.000 ኣዝዩ ብጣዕሚ ሳሕቲ ዘጋጥም

ምንጪ: https://www.rcoa.ac.uk/patientinfo/risks (ብ እንግሊዘኛ)